እዚ ገጽ ዕጸዎ

ካብ ገዛይ ግዒዘ ኣሎኹ

ካብ ገዛ ስድራ-ቤትካ ግዒዝካ ንዘለኻ እዩ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ሓበሬታ ዝምልከተካ፡ንኣብነት ናብ ቀዋሚ መእለዪ ቤት(fosterhjem) ወይ መእለዪ ትካል(institusjon) ዝገዓዝካ።.

En voksen og en ungdom står foran en inngang til et hus. Den voksne holder rundt ungdommen og ungdommen smiler litt. ሓደ ዓቢ ሰብን መንእሰይን ኣብ ኣፍ ደገ መእተዊ ናይ ሓደ ገዛ ደው ኢሎም ኣሎዉ። እቲ ዓቢ ሰብ ነቲ መንእሰይ ሓቚፉ ሒዙዎ ኣሎ፡እቲ መንእሰይ ከኣ ቅሩብ ፍሽኽ ይብል ኣሎ።

እዚ ኩሉ ግዜ እዩ ከምኡ

ካብ ገዛኻ ምስ ገዓዝካ እቶም ኣብቲ ቀዋሚ መእለዪ ቤት ዘለዉ ዓበይቲ ወይ ኣብቲ መእለዪ ትካል ዝሰርሑ ዓበይቲ እዮም ክከናኸኑኻን ክኣልዩኻን።
ዋላ ካብ ገዛኻ ገዓዝ መሰላትካ ከም ኩሎም ካልኦት ቆልዑ እዩ። ንኣብነት ቤት-ትምህርቲ ክትመሃር፡ እንተሓሚምካ ክትሕገዝን ዝሰምዓካ ሰብ ክህልወካን መሰልካ እዩ።
ዝኾነ ነገር ጽቡቕ እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ ምስ ባርነቫርነ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ጽቡቕ ከምዘለኻ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ናቶም እዩ።
ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ኣብ መእተዊ ክፋል ናይ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ደው ኢላ። ኣእዳዋ ኣብ ጁባኣ ጌራ ናብ ካሜራ ገጻ ፍሽኽ ትብል ኣላ።

ተሓዚት ጉዳይ ኣላትካ።

ካብ ገዝኦም ዝገዓዙ ቆልዑን መንእሰያትን ብምሉኣቶም ኣብ ባርነቫርነ ትሰርሕ ብቐረባ ትራኸቦም ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ)ክትህልዎም ኣሎዋ። እዛ ሰብ እዚኣ ከኣ መጺኣ ክትበጽሓካን ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካ ክትነግረካን ኣሎዋ።
ምስ ተሓዚት ጉዳይካ ክትዛረብ መሰልካ እዩ። ዝያዳ ጽቡቕ ይስመዓኒ እዩ ትብል እንተደኣ ኮይንካ ውን ክድግፈካ ዝኽእል ሰብ ውን ክትማላእ ትኽእል ኢኻ።
ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን መንእሰይ ጓልን ኣብ ሳሎን ብሓንሳብ ኮፍ ኢለን ኣለዋ። እታ ሰበይቲ ኣብ ኢዳ ወረቐት ሒዛ ኣላ፡እታ ጓል ከኣ ኣፋ ከፊታ ብምህላዋ ትዛረብ ዘላን ፍሕሽውትን እያ ትመስል።
ካብ ገዛኻ ንምንታይ ከምዝገዓዝካ እቲ ምኽንያት ዘይተረደኣካ እንተደኣ ኮይኑ እታ ትራኸበካ ሰብ ክትገልጸልካ እያ
እታ ተሓዚት ጉዳይካ ብዛዕብኡ ዋላ'ኳ ኣቐዲማ ትግለጸልካ፡ ከም ብሓድሽ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።ባርነቫርነ ንዓኻ ብዝርደኣካ ኣገባብ ጌሮም ክገልጹልካ ኣሎዎም። ኣብ ገዛኻ ክትቅመጠሉ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት ኣብ ሓደ ውሳኔ(vedtak) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወረቐት እዩ ዝግለጽ።

ከም ኣብነት ነታ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይካ) ክትሓታ ትኽእሎም ሕቶታት:

  • ንምንታይ ኢኹም ብኣይ ተሻቒልኩም ዘለኹም፧
  • ንምንታይ እየ ኣብ ገዛይ ክቕመጥ ዘይክእል፧
  • ክሳብ መዓስ እየ ኣብዚ ክቕመጥ፧
  • እዚ ቦታ እንተደኣ ዘይፈትየዮ ከ እንታይ እየ ክገብር፧
  • መዓስ እየ ወለደይን ኣሕዋተይ ክረኽቦም ዝፍቀደለይ፧
  • ንወለደይ ትሕግዙዎም ኣሎኹም ዲኹም፧
  • ኣነ ዘይፈልጦ ዝኾነ ዝመደብኩሞ ነገር ኣሎ ድዩ፧
  • እቲ ኣነ ዝነግረኩም ዝንገሮ ካልእ ሰብ ኣሎ ድዩ፧
  • ትምህርቲ መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧
  • እንተደኣ ዘይጥዒሙኒ ወይ እንተደኣ ሓሚመ እንታይ እየ ክገብር፧
 ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ገዝኣ ኮፍ ኢላ ሞባይላ ትርኢ ኣላ። ኣብታ ሞባይል ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን እታ ጓልን ኣብ እዝነን ዝተሶከዕ ነገር ስለዘሎ ዝዘራረባ ዘለዋ ይመስላ ወይ ስእሊ ትርኢ ጥራሕ ዘላ ትመስል።

ምስ ስድራ-ቤትን ቐረባ መሓዙትን ምርኻብ

መብዛሕትኦም ካብ ገዝኦም ዝገዓዙ መንእሰያት ምስ ወለዶም፡ኣሕዋቶምን ካልኦት ኣብ ሂወቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰባትን ርክብ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ብዝተፈላለዩ መገድታት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም ብኣካል ክትራኸቡ ወይ ብኮምፕዩተር ወይ ተለፎን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
 ሓንቲ ፖስተር ኣብ ቅድሚ ቀያሕን ሊላን ዝሕብራ መንደቕ። ኣብታ ፖስተር ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ፡ ድሌትካ ኣገዳሲ እዩ!
ምስ ዝተወሰነ ሰብ ምርኻብ ይከብደኒ እዩ እንተደኣ ኢልካ ንባርነቫርነ ምሕባር ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ተሓዚት ጉዳይካ ንዓኻ ንኽፈኹሰልካ ክትሕግዘካ ክትፍትን ትኽእል እያ።
ስድራ-ቤትካ ወይ ካልኦት ሰባት ክትረኽቦም ኣይፍቀደልካን እዩ እንተደኣ ተባሂልካ፡ንምንታይ ክትረኽቦም ከምዘይትኽእል ባርነቫርነ ክነግሩኻ ኣሎዎም።
15 ዓመት ዝመልኡ ቆልዑ ንመን ይረኽቡን ንመን ኣይረኽቡን ዝብል ክውሰን ከሎ ኣብቲ ውሳኔ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።
En ungdom sitter foran en pc ved en pult med vindu foran.ሓደ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኣብ  ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ኣሎ፡ኣብ ቅድሚ እቲ ጠረጴዛ ከኣ መስኮት ኣሎ።

ቤት-ትምህርቲ

ካብ ገዛኻ ድሕሪ ምግዓዝካ ውን ትምህርቲ ክትቅጽሎ ኢኻ፡ግን ምናልባሽ ቤት-ትምህርቲ ክትቅይር ትግደድ ትኸውን። ናብ ሓድሽ ቦታ ምስ ገዓዝካ ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ ቤት-ትምህርቲ ክትቅጽሎ ኣለካ።
ኣብታ ናይ ቀደም ቤት-ትምህርትኻ ተወሳኺ ሓገዛት ዝግበረልካ እንተደኣ ኔሩ ኮይኑ ሰራሕተኛታት ናይታ ቤት-ትምህርቲ ነታ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ይግበረልካ ከምዝነበረ ክሕብሩዋ ኣሎዎም። ዋላ ኣብታ ናይ ቅድም ቤት-ትምህርቲ ተወሳኺ ሓገዛት ኣይገበረልካ፡ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ኣብታ ሓዳሽ ቤት-ትምህርቲ ክግበረልካ መሰልካ እዩ።
እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ይግበረልካ እንተደኣ ዘይሃልዩ ምስ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዘለዉ ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ወይ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ)ተዛረበሉ።
ሓደ ዓቢ ሰብን መንእሰይን ጎኒ ጎኒ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ኣሎዉ። እቲ ዓቢ ሰብ ኮምፕዩተሩ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡እታ መንእሰይ ከኣ ኣእዳዋ ኣብ መጠወቒት ናይታ ኮምፕዩተር ኣንቢራቶ ኣላ። እዛ ጓል ፍሽኽ እንዳበለት ትዛረብ ኣላ።

ዓበይቲ ብዛዕባኻ ዘለዎም ሓበሬታ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባኻ ዝጽሕፉዎ ዘበለ ክትፈልጦ መሰልካ እዩ። ንባርነቫርነ ናተይ ጽሑፋዊ ጸብጻባትን ጸብጻባት ኣኼባታት(ኣስተዋጽኦ) ከንብቦ ደልየ ኣሎኹ ኢልካ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።
ዝኾነ ነገር እንተደኣ ዘይተረዲኡካ ወይ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተደኣ ደሊኻ ሕተት።
 ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ድልድል ደው ኢላ ኣላ። ኣብ ሞባይላ ትጽሕፍን ሙዚቃ ትሰምዕን ኣላ። ኣብ ድሕሪት ሰባት ይኸዱ ኣሎዉ።

ጽቡቕ እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ

ኩሉ ሰብ ሕማቕ ክስመዖ ይኽእል እዩ። እቲ ምኽንያት ጽቡቕ ትድቅስ ብዘይምህላውካ፡ትጭነቕ ብምህላውካ ወይ ኣብ ሰውነትካ ቃንዛ ስለዘለካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ምኽንያት ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ሓንሳብ ሓንሳብ ባዕሉ ክገድፈካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ነርስ ጥዕና ወይ ክኢላ ስነ-ልቦና ክሕግዙኻ። ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ክንክንን ጥዕናዊ ሓገዝን ክትረክብ መሰልካ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ምስ ዘለዉ ዓበይቲ ወይ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ(ተሓዚት ጉዳይካ)ክትዘራረብ ኣገዳሲ እዩ።
ካብ ገዛኻ ከምትግዕዝ ምስ ተገበረ
ከመይ ከምዘለኻ ንምፍላጥን ጥዕናዊ ሓገዝ የድልየካ ድዩ ኣየድልየካን ንምፍላጥን እዩ ጥዕናዊ መርመራ ዝካየድ። ኣብዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።
.ክግበረልካ ዕድል ክወሃበካ እዩ። ዋላ ሕጂ ኣይጸለኣካ እዩ እዚ ዕድል ዝወሃበካ። እቲ ጥዕናዊ መርመራ ጥዕናዊ ሓገዛት ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ እዩ ዘርእየካ።.
 ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ገዛ ኣብ ናይ ሳሎን ደው ኢላ ኣላ። ዝሓረቐት ትመስል፡ ሙዚቃ እንዳሰምዐት ከኣ ሞባይላ ትርኢ ኣላ።

ዕጋበት እንተደኣ ዘይተሰሚዑካ

ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ምስ ዓበይቲ ሰባት ክትዛረብ እንተደኣ ክኢልካ ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ምግባር ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን ወይ ጽቡቕ ኣይስመዓንን እዩ እንተደኣ ኢልካ ከኣ ናብ ባርነቫርነ ክትድውል ወይ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
ኩሎም ካብ ገዝኣም ዝገዓዙ ሰባት ናቶም ትራኸቦም ሰብ(ተሓዚት ጉዳይ) ኣላቶም። ናትካ ተሓዚት ጉዳይ መን ምዃና ዘይትፈልጥ እንተደኣ ኮይንካ ናብ ባርነቫርነ ክትድውል ትኽእል ኢኻ ወይ ንትኣምኖ ዓቢ ሰብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ተሓዚት ጉዳይካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ምስታ ተሓዚት ጉዳይካ ምዝርራብ ጽቡቕ ዘይስመዓካ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ ባርነቫርነ ክዘራረብ ዶ ይኽእል ኢልካ ሕተት።
ቅድሚ ሕብርታት ዘለዎ መንደቕ ሓንቲ ሞባይል ኣላ። ኣብዛ ሞባይል 116 111 ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ።
ክትጠርዕ እንተደኣ ደሊኻ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቅልል ዝበለ ፎርም ናይ መንግስታዊ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ትጠርዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ተሓዚ ጉዳይካ ንክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብቐረባ ዝራኸበካ ሰብ(ተሓዚ ጉዳይካ) ክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። መንግስታዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰበ ስልጣን ኮይኑ ባርነቫርነ ንቆልዑን ዓበይትን ንክሕግዙ ስርሖም ብግቡእ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዩ ዝከታተል።
ዘህውኽ እንተደኣ ኮይኑ ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ቆልዑን ንኣሽቱን ኢኻ ትድውል፡116 111። እዚ ነጻ ኮይኑ 24 ሰዓታት ክፉት እዩ።
 ሓንቲ ጓል ኣብ ቅድሚ አለክትሪካዊት ብሽግለታን(el-sparkesykkel) ሓንቲ ኣብ ቅድሚኣ መቐመጢ ንብረት ዘለዋ ብሽግለታን ደው ኢላ ኣላ። ኣብ ሞባይላ እንዳረኣየት ሙዚቃ ትሰምዕ ኣላ።
ኣብ ung.no ብምእታው ብዛዕባ ካብ ስድራ-ቤትካ ምስ ገዓዝካ ዘለካ መሰላት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
.

መልስኻ ኣይዕቀብን እዩ፡ናብ ባርነቫርነ ወይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ውን ኣይስደድን እዩ።

ግርም😀

ዝኾነ ሕቶ እንተደኣ መጺኡልካ ኩሉ ግዜ ንተሓዚት ጉዳይካ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ። ክትድውለሉ ትኽእል ቁጽሪ ተለፎን እንተዘይተዋሂቡካ ድማ ኣብቲ ዝስዕብ ርክብ ይወሃበኒ ኢልካ ሕተት።

ደሓን 😐

ሕማቕ እምበር! እንታይ እዩ ጽቡቕ ዘይትሰመዓካ ጽቡቕ ጌርካ ሕሰበሉ። ምስ ባርነቫርነ ምርኻብ ከቢድ ኮይኑ ተሰሚዑካ፧ እዚ ኣኼባ ጥራሕ ድዩ ከምኡ ከምዝስመዓካ ጌሩ፤ ኣብቲ ኣኼባ ገለ ካብቲ ዝተገብረ ወይ ዝተዘርበ ጽቡቕ ኮይኑ ኣይተሰመዓካን፧

ጽቡቕ ኣይኮነን 🙁

ምስ ተሓዚ ጉዳይካ ኩሉ ግዜ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ተሓዚ ጉዳይካ ክትዘራረብ ደስ ዘይብለካ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ፡ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ ባርነቫርነ ክዛረብ ዶ ይኽእል ኢልካ ሕተት።
ክትጠርዕ እንተደኣ ደሊኻ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቅልል ዝበለ ፎርም ናይ መንግስታዊ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ትጠርዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ተሓዚ ጉዳይካ ንክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብቐረባ ዝራኸበካ ሰብ(ተሓዚ ጉዳይካ) ክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።