
ብባርነቫርነ መን እዩ ክሕገዝ ዝኽእል
ንስኻ ወይ ትፈልጦ ሰብ ኣብ ገዛ እንተደኣ ዘይጠዓመኩም ን ክትራኸቦም ትኽእል ኢኻ
ካብ ባርነቫርነ ሓገዝ ዘድልዮም ብዙሓት እዮም። ሓገዝ ኣድላዪ ክኾነሉ ዝኽእል ገለ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ወለዲ ውላዶም ክከናኸኑዎን ክኣልዩዎን ከቢዱና ይብሉ : ከምኡ ዘብሎም ከኣ ንባዕሎም ጽቡቕ ብዘይምህላዎም፡ ስለዝሓመሙ፡ብዙሕ ስለዝገራጨዉ፡መስተ ስለዝሰትዩ ወይ ዕጸ ፋርስ ስለዝወስዱ ክኸውን ይኽእል።
- እቲ ቆልዓ ወይ ካልኦት ኣባላት ናይታ ስድራ-ቤት ዝህረሙ እንተደኣ ኮይኖም ወይ ክትህረም ኢኻ ዝብል ምፍርራሕ ዝወርዶም እንተደኣ ኮይኑ። እዚ ብሕጊ ክልኩል ስለዝኾነ እቲ ቆልዓ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ደው ንክብለሉ ሓገዝ የድልዮ።
- እቲ ቆልዓ ንጾታዊ ዓመጽ ዝቃላዕ እንተደኣ ኮይኑ እዚ ብሕጊ ክልኩል ስለዝኾነ እዚ ደው ንክብለሉ እቲ ቆልዓ ሓገዝ የድልዮ።
- ወለዲ ብዙሕ ግዜ ንውላዶም ሕማቕ ዘረባ ይዛረቡዎም ብምዃኖም እቲ ቆልዓ ሕማቕ ዝስመዖ እንተደኣ ኮይኑ። እዚ ስነ-ኣእምራዊ ጎነጽ ክበሃል ይከኣል፡ ብሕጊ ድማ ክልኩል እዩ። ሽዑ እቲ ቆልዓ እዚ ደው ንክብለሉ ሓገዝ የድልዮ።
- እቲ ቆልዓ ንነፍሱ ወይ ካልኦት ጽቡቕ ዘይኮነ ነገራት ክገብር ከሎ። እቲ ቆልዓ ነፍሱ ባዕሉ ዝሃሲ እንተደኣ ኮይኑ፡ብዙሕ ዝሓርቕ ወይ ዝሓዝን እንተደኣ ኮይኑ ክኸውን ይኽእል።
- እቲ ቆልዓ ዘይሕጋዊ ነገራት ክገብር ከሎ፡ንኣብነት ይሰርቕ፡ጎነጽ ይጥቀም ወይ ዕጸ-ፋርስ ዝሸይጥ እንተደኣ ኮይኑ።
- እቲ ቆልዓ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር ዘይፍትሓዊ ሕግታት ክኽተል ይግደድ ኣሎኹ ዝብል ስምዒት ክህልዎ ከሎ: ንኣብነት ንዝፈተዎ ሰብ ከፍቅር ምናልባት ዝኽልከል እንተደኣ ኮይኑ ወይ ዘይደለዮ ነገራት ክገብር ዝግደድ እንተደኣ ኮይኑ። ኣባላት ስድራቤተይ ውን የስግኡኒ እዮም ዝብል ስምዒት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እዚ ገለ ኣብነታት ጥራሕ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ካልእ ሓገዛት ዘድልየሉ ምኽንያት ውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክግበረልካ ይኽእል፧
መብዛሕትኡ ግዜ እታ ስድራ-ቤት ምስ ሰራሕተኛ ባርነቫርነ ትዘራረብ እያ። እዚ ሰብ(ተሓዚ ጉዳይ) ነታ ስድራቤት ይሰምዓ፡ ኩነታት ናይታ ስድራ-ቤት ንክመሓየሽ ከኣ እንታይ ክቕየር ከምዝኽእል ምኽርታት ይልግስ።

ሓንሳብ ሓንሳብ ኣባላት ስድራ-ቤት ብምሉኦም ንክሕሾም ወለዲ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ከም ኣብነት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንከቋርጹ ወይ ገንዘቦም ኣብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ነገራት ንክጥቀሙሉ ሓገዝ ይግበረሎም
ኣብ ገዛ ብዙሕ ግርጭት ምስ ዝህሉ ንዕኡ ዝኸውን ሓገዝ ውን ክግበረሎም ይኽእል እዩ። ወለዲ እንተደኣ ሓሚሞም ንሓደ ቆልዓ ክኸብዶ ይኽእል እዩ። ሽዑ ባርነቫርነ እቲ ቆልዓ እንታይ የድልዮ ከምዘሎ ንወለዲ ንክርድኦም ክተሓባበሩ ይኽእሉ፡ ኣበይ ሓገዝ ከምዝረኽቡ ውን ክሕብሩዎም ይኽእሉ።

እቲ ቆልዓ ውን ዝያዳ ንክጥዕሞ ወይ ሓደገኛ ወይ ዘይሕጋዊ ነገራት ምግባር ንከቋርጽ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ምስ ሰራሕተኛ ባርነቫርነ ክዘራረብ ይኽእል፡ሽዑ ሓደ ክቑጸረ ሉ ይኽእል።
ንገሊኦም ቆልዑ ንገለ እዋን ካብ ገዝኦም ወጻኢ እንተ ተቐመጡ እዩ ዝሓሸ። ሽዑ እቲ ቆልዓ ናብ ቀዋሚ መእለዪ ቤት ወይ መእለዪ ትካል ክግዕዝ ይኽእል።
እቲ ቆልዓ ምስ ገዓዘ እቲ ቆልዓ ዝያዳ ንክጥዕሞ ወለዲ ደገፍን ሓገዝን የድልዮም እዩ። እቲ ኩነታት እኹል ምምሕያሻት እንተደኣ ኣርእዩ እቲ ቆልዓ ናብ ገዝኡ ክምለስ ይኽእል።

ንባርነቫርነ ክራኸቦም ኣለኒ ድዩ፧
ምስ ትኣምኖ ሓደ ዓቢ ሰብ ተዛረብ፡ሽዑ ብሓንሳብ ኮይንኩም ምስ ባርነቫርነ ምርኻብ ኣድላዪ እንተደኣ ኮይኑ ትረዳድኡሉ።ናብ ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ብቁጽሪ 116 111 ውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ ወይ ምስ ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ኣብ ኢንተርነት ቻት ኣብዚ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ብቁጽሪ 116 111 ክትድውል ወይ በዚ ዝስዕብ ምስታ ተለፎን ኣብ ኢንተርነት ቻት ክትበር ውን ትኽእል ኢኻ ww.116111.no.
ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን 24 ሰዓታት ማለት ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ክለብ መንእሰያት ውን ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።ትሕቲ 18 ዓመት ከለኻ ከምኡ እንተደኣ ጌርካ ክትፈልጦ ዘለካ፡እቲ ተዛርቦ ዓቢ ሰብ ጽቡቕ የለኻን ኢሉ እንተደኣ ገሚቱ ንባርነቫርነ ሻቕሎቱ ኣሎዎ። ሕጊ እዩ ከምኡ ዝብል።

ኣብ ዝኾነ እዋን ኩሉ ግዜ ሕቶ ንክትሓትት ወይ ሓግዙኒ ንክትብል ንባርነቫርነ ባዕልኻ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጀመርታ .
ንስኻ ወይ ስድራ-ቤትካ ንባርነቫርነ ሓግዙና ክወሃበኩም [ኣመልኪትኩም](!popup:ac040aa5542f፡ ባርነቫርነ ንዓኻን ንስድራ-ቤትካን ክሕግዙ ዝኽእሉ እንተደኣ ኮይኖም ንምፍላጥ ምጽራያት ክገብሩ ኣሎዎም።

tባዕልኻ ንባርነቫርነ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።ምስ ወለድኻ ወይ ካልእ ትኣምኖ ሰብ ኮይንካ ውን ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
ንቫርነቫርነ ከመይ ጌርካ ትረኽቦም ምፍላጥ ንገሊኦም ከጸግሞም ይኽእል እዩ። ናብቲ ናይ ምምሕዳር ከባቢኻ ወይ ኮሙነኻ ቁጽሪ ተለፎን ደዊልካ ምስ ባርነቫርነ ክዛረብ ደልየ ኣሎኹ በሎም።ኣብ ገጽ ኢንተርነት ምምሕዳር ከባቢኻ ወይ ኮሙነ ውን ባርነቫርነ ደሊኻ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ወይ ትኣምኖ ዓቢ ሰብ ሓግዘኒ ኢልካ ሕተቶ። ናይ ህጹጽ እዋን ተለፎን ቆልዑን ንኣሽቱን ብቁጽሪ 116111 ደውል

ባርነቫርነ ንወለዲ ይረኽቡዎም ድዮም፧
ትሕቲ 18 ዓመት እንተደኣ ኮይኑ ዕድሜኻ ፡ባርነቫርነ መብዛሕትኡ ግዜ ምሳኻ ይዘራረቡ ከምዘለዉን ብዛዕባ እንታይ ከምዝተዘራረብኩምን ንወለድኻ ወይ ኣለይትኻ ክሕብሩዎም ኣሎዎም። ባርነቫርነ ምስ ወለድኻ እንተደኣ ተዘራሪቦም ሳዕቤናቱ ዘፍርሓካ እንተደኣ ኮይኑ ንባርነቫርነ ከምኡ ኢልካ ክትነግሮም ኣገዳሲ እዩ።. ከቢድ እንተደኣ ኮይኑ ባርነቫርነ ብዝተፈላለዩ መገድታት ክከላኸሉልካ ይኽእሉ እዮም።

ልዕሊ 18 ዓመት እንተደኣ ኮይኑ ዕድሜኻ ክንገሩ ይደሊ እየ ክሳብ ዘይበልካ፡ ወለድኻ ምስ ባርነቫርነ ትዛረብ ከምዘለኻን ብዛዕባ እንታይ ትዘራረቡ ከምዘለኹምን ኣይንገሮምን እዩ።