እዚ ገጽ ዕጸዎ

ምስ ባርነቫርነ ምርኻብ

ባርነቫርነ ኣብ ኩለን ምምሕዳር ከባቢታትን ኮሙነታትን ኣሎዉ። ንዘይጠዓሞም ቆልዑ ምሕጋዝ እዩ ስርሖም፡ ማለት ኣብ ስድራ-ቤቶም ንዕኦም ሓደገኛ ዝኾነ ነገር እንተደኣ ኣጋጢሙ ወይ ሓደገና ዝኾነ ነገራት ከጋጥም ዝኽእል እንተደኣ ኮይኑ።
ንዓኻ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ከምትረክብ ክገብሩ ኣሎዎም።ኣብ ዝኾነ እዋን ዝኾነ ነገር ምስ ዘይርደኣካ ከይተሰከፍካ ኣይተረደኣንን ክትብልን ሕቶታት ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።
 ክልተ ዘረባ ዝጸሓፈለን ቅርጽታት ኣሎዋ ኣብዚ ስእሊ። እታ ሓንቲ ጻዕዳ ኮይና üdvözöljük! ተጻሒፉዋ ኣሎ፡እታ ሓንቲ ከኣ ጸላም ኮይና "Velkommen hit!" ተጻሒፉዋ ኣሎ።

ቅድሚ ኣኼባ

ትዛረቦ ቋንቋ ኖርሽክ እንተደኣ ዘይኮይኑ ኣተርጓሚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ እቲ ኣኼባ ንባርነቫርነ ሓብሮም!
ኣብዚ ስእሊ ሓደ ዓቢ ሰብን መንእሰይን ንርኢ ኣለና። ኣብ ቅድሚ ሰዓት ተሰቒላትሉ ዘላ መንደቕ ደው ኢሎም ኣሎዉ። እቲ መንእሰይ ርእሱ ኣብ መንኩብ ናይቲ ዓቢ ሰብ  ኣጸጊዑ ኣዒንቱ ሰም ኣቢሉዎ ኣሎ። እቲ ዓቢ ሰብ ፍሽኽ ይብል ኣሎ።
ናብቲ ኣኼባ ሰብ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ወላዲ፡ትኣምኖ ዓቢ ሰብ፡ መሓዛኻ ወይ ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ክኸውን ይኽእል።
ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት
  • ንምንታይ እየ ምስ ባርነቫርነ ክራኸብ ዘለኒ፧
  • ግድን ድየ ኣብ ኣኼባ ክርከብ ዘለኒ፧
  • ምስ መን እየ ክራኸብ፧
  • ካልኦት ዝሳተፉ ከ መነ መን እዮም፧
  • ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንዛረብ፧
  • ባርነቫርነ እንታይ እዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ፧
ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ ነታ ብቐረባ ትራኸበካ ሰብ ወይ ተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ወይ ንካልኦት ሕተቱለይ ምባል ክጠቕመካ ይኽእል እዩ።
En jente sitter ved et bord. Hun sier "Jeg lurer på.." ሓንቲ ጓል ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢላ ኣላ።  ''..ክፈልጥ ደልየ ኣሎኹ'' ትብል ኣላ።

ኣብ ኣኼባ

ኣብ ዝኾነ ግዜ ሕቶ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንተዘይተረዲኡካ መሊስካ ሕተት።
 ሓንቲ ጓል ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢላ ኣላ። ኢዳ ኣመሳቒላ ንድሕሪ ካሜራ ዘሎ ሰብ ትጥምት ኣላ።
እንታይ ክትነግር ትደልን ኣየኖት ሕቶታት ክትምልስ ትደልን ባዕልኻ ኢኻ ትውስኖ። ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ስቕ ብምባል ክትሰምዕ ጥራሕ ትኽእል ኢኻ።

ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት

  • ንዓይ እንታይ እዩ ከጋጥመኒ፧
  • እቲ ኣነ ዝዛረቦ ንመነ መን እዩ ክንገሮም፧
  • ንምዃኑ እንታይ ክግበር እዩ ተወሲኑ ዘሎ፧
ኣብቲ ኣኼባ ንተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ጠቓሚ እዩ።
 ሓደ ዓቢ ሰብን መንእሰይን ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ኣሎዉ። እቲ ዓቢ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢሉ ኣሎ፡እቲ መንእሰይ ከኣ ነቲ ዓቢ ሰብ ይጥምቶ ኣሎ።

ኣኼባ ክውዳእ ከሎ

ንተሓዚት ጉዳይካ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝተገብረ ጽሙቕ ኣቢልኪ ኣሕጺርኪ ንገርኒ ክትብላን ብሕጂ እንታይ እዩ ዝግበር ንገርኒ ክትብላን ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበሉ ሓበሬታ ንመነ መን እዩ ክንገሮም፡ ከምኡ`ውን ብከመይ እዩ ክንገሮም ብምባል ውን ክትዘራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ሓበሬታ ንወለድኻ ከይተነገሮም ክጸንሕ ይኽእል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓበሬታ ሽዑ እንተደኣ ተነጊሩዎም ንዓኻ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓዚት ጉዳይካ እንተደኣ ፈሊጣ እዩ እቲ ሓበሬታ ከይተነገሮም ክጸንሕ ዝኽእል።
 ሓደ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ማይ ዝወቕዖ መስኮት ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። እቲ መንእሰይ ሞባይሉ እንዳረኣየ ሙዚቃ ይሰምዕ ኣሎ።
ዝኾነ ነገር እንተደኣ ዘይተረዲኡካ ንተሓዚት ጉዳይካ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ረኺብካ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ መንእሰይ ኣብቲ መእተዊ ኣብ ገዛ ደው ኢሉ ኣሎ። ወረቐት ሓፍ ኣቢሉ ብምሓዝ ካብኡ የንብብ ኣሎ።
ባርነቫርነ ብዛዕባኻ እንታይ ከምዝጸሓፉ ከተንብብ መሰልካ እዩ። ተካፈልቲ ናይቲ ጉዳይ(part) ዝኾኑ ሰባት፡መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ እዮም ከም ተካፈልቲ ዝፍለጡ፡ ንሶም ውን ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝተዘርበ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ሓበሬታ ንወለድኻ ግድን ክወሃቦም ዘለዎ እንተደኣ ኮይኑ ተሓዚት ጉዳይካ ክትሕብረካ ትኽእል እያ።

ከም ኣብነት ገለ ካብቲ ክትሓቶ ትኽእል ሕቶታት

  • መሊስና ክንራኸብ ዲና፧
  • ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ምስ መን እየ ክራኸብ፧
  • ባርነቫርነ ሕጂ እንታይ እዮም ክገብሩ፧
  • ብመሰጅ ርክብ ከነካይድ ንኽእል ዲና፧
  • ብዝተረፈ ከ በየኖታት መገድታት ክንራኸብ ንኽእል፧
  • ዝመጽእ ግዜ ንራኸበሉ ግዜ ኣቐዲምኩም መዘከርታ ክትሰዱለይ ትኽእሉ ዶ፧
ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንተሓዚት ጉዳይካ እዞም ሕቶታት ክትሓታ ጸገም ዝበሃል የብሉን።

ኣብ እዋን ርክብ ወይ ኣኼባ ከመይ ይስመዓካ ኔሩ፧

እንታይ ክትገብር ከምትኽእል ምኽርታት ንክወሃበካ ካብዘን ስምዒታት ሓንቲ ጠውቕ

መልስኻ ኣይዕቀብን እዩ፡ናብ ባርነቫርነ ወይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ውን ኣይስደድን እዩ።

ግርም😀

ዝኾነ ሕቶ እንተደኣ መጺኡልካ ኩሉ ግዜ ንተሓዚት ጉዳይካ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ። ክትድውለሉ ትኽእል ቁጽሪ ተለፎን እንተዘይተዋሂቡካ ድማ ኣብቲ ዝስዕብ ርክብ ይወሃበኒ ኢልካ ሕተት።

ደሓን 😐

ሕማቕ እምበር! እንታይ እዩ ጽቡቕ ዘይትሰመዓካ ጽቡቕ ጌርካ ሕሰበሉ። ምስ ባርነቫርነ ምርኻብ ከቢድ ኮይኑ ተሰሚዑካ፧ እዚ ኣኼባ ጥራሕ ድዩ ከምኡ ከምዝስመዓካ ጌሩ፤ ኣብቲ ኣኼባ ገለ ካብቲ ዝተገብረ ወይ ዝተዘርበ ጽቡቕ ኮይኑ ኣይተሰመዓካን፧

ጽቡቕ ኣይኮነን 🙁

ምስ ተሓዚ ጉዳይካ ኩሉ ግዜ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ተሓዚ ጉዳይካ ክትዘራረብ ደስ ዘይብለካ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ፡ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ ባርነቫርነ ክዛረብ ዶ ይኽእል ኢልካ ሕተት።
ክትጠርዕ እንተደኣ ደሊኻ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቅልል ዝበለ ፎርም ናይ መንግስታዊ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ትጠርዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ተሓዚ ጉዳይካ ንክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብቐረባ ዝራኸበካ ሰብ(ተሓዚ ጉዳይካ) ክትጠርዕ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ውልቃዊ መደብ

ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት-ጽሕፈታት ሓገዝ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ እዩ እዚ መደብ እዚ ንዓኻ ዝዳለወልካ። ምናልባሽ ኣብ ገዛን ቤት-ትምህርትን ሓገዝ ዘድልየካን ካልእ ምስትኽኻላት ዘድልየካን ክትከውን ትኽእል። ኩሎም እቶም ዝሕግዙኻ ሰባት ከመይ ጌሮም እዮም ብዝበለጸ ኣገባብ ንዓኻ ክሕግዙ ዝኽእሉ ንምፍላጥ ኣብ ኣኼባታት ክእከቡ ኣሎዎም፡ እዞም ሰባት ከኣ ነናቶም ዕዮ እዩ ዘለዎም። ብዛዕባ እዚ መደብ ንክትዘራረቡ ምናልባሽ ውን ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፍ ትዕደም ትኸውን ኢኻ።
ንዓኻ ዝከውን ውልቃዊ መደብ ንምድላው ኣኼባ ክካየድ ከሎ ንዓኻ ዘገድሱ ብዙሓት ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም:
  • ትሕቲ 18 ዓመት እንተደኣ ኮይንካ ወለድኻ
  • ሰራሕተኛ ባርነቫርነ
  • ሰራሕተኛ ጥዕና፡ ንኣብነት ኣብ ስነ-ኣእምራዊ ሕክምና ቆልዑን መንእሰያትን(BUP) ትሰርሕ ክኢላ ስነ-ልቦና
  • ሰራሕተኛ ቤት-ትምህርቲ
  • ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ካልኦት ትኣምኖም ሰባት ውን ክትዕድም ትኽእል ኢኻ
ንስኻ እዚ ክትሳተፎን ኢድካ ከተእትወሉን ኣገዳሲ እዩ፡ ንስኻ ብከመይ ትሳተፎ ከኣ ኣብቲ መደብ ክጸሓፍ ኣሎዎ