
ኣጀማምርኡ ከምዚ እዩ
ቆልዑን ወለድን ባዕሎም ናብ ባርነቫርነ ብምድዋል ሓግዙና ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ቆልዓ እንተደኣ ሓግዙኒ ብምባል ሓቲቱኒ፡ባርነቫርነ ምጽራያት ምግባር ክጅምሩ ኣሎዎም።

ኩሎም ሓደ ቆልዓ ኣይጠዓሞን ኣሎ ዝብል ግምት ዘለዎም ሰባት ናብ ባርነቫርነ ክሰዱ ይኽእሉ እዮም። ምስ ቆልዑ ዝሰርሑ ዓበይቲ ሰባት ሓደ ቆልዓ ኣይጠዓሞን ኣሎ ዝብል ግምት ምስ ዝህልዎም ግድን እዮም ነቲ ቆልዓ ተሻቒልናሉ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ክሰዱ ዘለዎም።

እቲ ቆልዓ ክትከላኸለሉ ዘህውኽ እንተደኣ ኮይኑ ባርነቫርነ ግድን እዮም ብቐጥታ ገለ ነገር ክገብሩ ዘለዎም። ሽዑ ምጽራያት ምግባር ክጅምሩ ኣሎዎም። እቲ ቆልዓ ብቐጥታ ምክልኻል ዘየድልዮ እንተደኣ ኮይኑ፡ ባርነቫርነ ምጽራያት ክጅምሩ ድዮም ኣይክጅምሩን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ክውስኑ ኣሎዎም።

ባርነቫርነ የጻርዩ ኣሎዉ
ባርነቫርነ ከጻርዩ ከለዉ እቲ ቆልዓ ሓገዝ ወይ ምክልኻል ዘድልዮ እንተደኣ ኮይኑ ንምፍላጥ እዩ። ኣብታ ስድራ-ቤት ካልኦት ውን ሓገዝ ዘድልዮም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ባርነቫርነ ከጻርዩ ከለዉ እቲ ቆልዓ ከመይ ከምዘሎ ክነግሩዎም ምስ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሰባት ይራኸቡ እዮም። ከም ኣብነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝሰርሑ ሰባት ወይ ነቲ ቆልዓ ብዙሕ ግዜ ዝረኽቦ ኣሰልጣኒ ክኸውን ይኽእል። እቲ ቆልዓ ንባዕሉ ውን ንባርነቫርነ ምስ ኣየኖት ዝፈልጡዎ ዓበይቲ ሰባት ክዘራረቡ ከምዝኽእል ክሕብሮም ይኽእል እዩ።

ብዝመስለኩም ንዓኹም ዝሕሸኩም ሓገዝ እንታይ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ ብምባል ውን ባርነቫርነ ምስቲ ቆልዓ ይዛረቡሉ፡ ምስታ ስድራ-ቤት ከኣ ይዘራረቡሉ እዮም። እቲ ቆልዓ ኩሉ ግዜ ሓሳባቱ ክገልጽ መሰሉ ኮይኑ፡ባርነቫርነ ከኣ ክሰምዑዎ ኣሎዎም። ይኹን ደኣ እምበር ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ቆልዓ ከምቲ ዝደለዮ ዘይኮነሉ እዋናት ኣሎ፡ ግን ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ እቲ ምኽንያት ነቲ ቆልዓ ክንገሮ ኣሎዎ።
ባርነቫርነ ምጽራያት ክገብሩ ከሎዉ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ዝወስደሎም።

ባርነቫርነ ዝገብሩልካ ሓገዛት
ባርነቫርነ ዝህቡዎ ዓይነት ሓገዛት ብኖርወየኛ tiltak ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሓገዝ ኩነታት ናይቲ ገዛ ከመይ ጌርና ከነመሓይሾ ንኽእል ኢልካ ምዝርራብን እታ ስድራ-ቤትን ብሓንሳብ ኮይንና ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ክትፈትሖ ትኽእልን ዝብል እዩ ዘጠቓልል።
ዝወሃቡ ሓገዛት ከም ኣብነት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ:
- ወለዲ ዝገብሩዎም ነገራት ንክቕይሩዎም ሓገዝ ይግበረሎም መታን እቲ ቆልዓ ኣብ ገዝኡ ዝያዳ ክጥዕሞ።
- እታ ስድራ-ቤት ምስ ስድራ-ቤታት ዝሕግዙ ሞየኛታት ትዘራረብ።
- እቲ ቆልዓ ብዛዕባ ይከብደኒ ኣሎ ዝብሎ ነገራትን ጽቡቕ ነገራትን ዘዘራርቦ ሰብ ይረክብ።
- እቲ ቆልዓ ዝድግፎ ሰብ፡ ዝሕግዞ ሰራሕተኛ ኣከባቢ ወይ ክበጽሓ ዝኽእል ስድራ-ቤት ይምደበሉ።

ኣየናይ ሓገዝ እዩ ቅኑዕ ንምፍላጥ ባርነቫርነ ምስቲ ቆልዓ ክዛረቡ ኣሎዎም። ከም ቆልዓ ኩሉ ግዜ እዩ ሓሳብካ ክትገልጽ መሰል ዘለካ፡ባርነቫርነ ከኣ እቲ ቆልዓ ዝብሎ ክሰምዑዎ ኣሎዎም። ከም ኣብነት እቲ ዝድግፎ ሰብ ክንደይ ግዜ እዩ ክረኽቦ ዘለዎ ዝብል ውሳኔ ክውሰን ከሎ እቲ ቆልዓ ክሳተፎ ይኽእል እዩ።
እቲ ቆልዓ ክሳተፈሎም ወይ ተራ ክጻወተሎም ዝኽእለሉ ውሳኔታት እቶም ዝውሰኑ ሓገዛት ዓይነቶም እዩ ዝውስኖ

ሓንሳብ ሓንሳብ ቆልዑ ወይ መንእሰያት ዝከላኸለሎም ንክረኽቡ ወይ ሓገዝ ንክረኽቡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ክቕመጡ ግድን ዝኾነሉ እዋናት ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ኣዩ። እዚ ምምዳብ ወይ ይበሃል።ገሊኦም ወለዲ ዋላ ንውላዶም የፍቅሩዎ ደኣ እምበር፡ ንውላዶም ክከናኸንዎን ክኣልዩሉን ዘይክእሉሉ እዋናት ግን ኣሎ።

እቲ ቆልዓ ትሕቲ 15 ዓመት እንተደኣ ኮይኑ ወለዲ ወለንታዊ ሓገዛት ንክወሃብ ከፍቅዱ(samtykke) ኣሎዎም፡ እቲ ቆልዓ ልዕሊ 15 ዓመት እንተኮይኑ ዕድሚኡ ከኣ እቲ ቆልዓን ወለድን ወለንታዊ ሓገዛት ንክወሃብ ፍቓዶም ክህቡሉ ኣሎዎም።

ሓገዝ ክወሃበካ ከሎ ባርነቫርነ ዝስከሙዎ ሓላፍነት
ቆልዑ ካብ ባርነቫርነ ሓገዝ ክረኽቡ ከለዉ ባርነቫርነ እቲ ሓገዝ ክሳብ ክንደይ ይጠቅም ኣሎ ክከታተሉ ኣሎዎም። እቲ ቆልዓ ውን ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልዎ ወይ ዝኾነ ነገር ክብል እንተደኣ ደልዩ ምስቲ ናቱ ተሓዚ ጉዳይ ክዛረብ ይኽእል እዩ።